ናይ ACLU ካርዲታት መሰላትኩም ፍለጡ

Display of Know Your Rights cards

እዞም ዓቐን ጁባ ዝኾኑ መሰላትኩም ፍለጡ ዝብሉ ካርድታት፣ ከም ከባቢያዊ ፖሊስን ፌደራላዊ ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ዝበሉ መኽበርቲ ሕጊ ደው ምስ ዘብልኹም ዝህልወኩም መሰላት ብዝርዝር ይገልፁ። እዞም ካርዲታት እዚኦም ኣሐቲምኩም ናብ ማሕበረሰብኩም በትንዎም። ምስ ማሕበር ሲቪላዊ ሓርነት ኣሜሪካ (The American Civil Liberties Union, ACLU) ብምትሕብባር ዝተዳለወ።

ቀያሕቲ ካርዲታት ILRC

ሓለፍቲ መኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽን እንከጋጥሙኹም ዘለኩም መሰላት ፍለጡ

ኣብ ገዛ፣ ኣብ ፅርግያ፣ ኣብ መኪና፣ ወይ ኣብ ቤት ፍርዲ ምስ ፌደራላዊ ኣኽበርቲ ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽን ኣብ እትራኸበሉ እዋን፣ ፕሮጀክት ምክልኻል ስደተኛታት (Immigrant Defense Project) ዘለኩም መሰላት ብዝርዝር ዝገልፅ ኢንፎግራፊክስ፣ በረርቲ ወረቓቕቲ፣ ንኣሽቱ መፃሕፍትን ካልእን ኣለዎ።

ብብዙሕ ቋንቋታት ዝተተርጎሙ ብዙሓት ፀጋታት ይርከቡ፤ ምሉእ ገፅ ድማ ብስጳንኛ ይርከብ።

ፀጋታት ዳህስሱ

እቲ Washington State Office of the Attorney General እውን “መሰላትኩም ፍለጡ፤ ምትግባር ሲቪላዊ ኢሚግሬሽን ኣብ Washington” ዝብል ጽሑፍ ፈጢሩ ኣሎ። እዚ በራሪ ወረቐት ብብዙሕ ቋንቋታት ይርከብ፤ ከምኡ'ውን ሓለፍቲ ኢሚግሬሽን ክመፅኹም እንከለዉ እንታይ ከም እትገብሩ፣ እንድሕር ተኣሲርኩም፣ ኣብ ግዝያዊ መፅነሒ እንተኣቲኹም ወይ ከዓ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እንድሕር ኰይንኹም እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩም ዝገልፅ መምረሒ ዘለዎ ኰይኑ፣ ሰበስልጣን ከባብን ግዝኣታትን ሕጊ ኢሚግሬሽን ፌደራል ናይ ምትግባር ተሳትፎ ዝግድብ እውን እዩ።

መምረሒ ረኣዩ

ንውልቀ ሰባትን ንስድራቤታትን ዝኾኑ ፀጋታት

እዞም ዝስዕቡ ፀጋታት ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ስደተኛታትን ተዓቆብትን Seattle (Seattle Office of Immigrant and Refugee Affairs, OIRA) ዘሎገፅ መሰላትኩም ፍለጡ እዮም። ሙሉእ ዝርዝር ፀጋታቶም ንምርካብ ናብ ገፅ OIRA ተወከሱ።

ውጥን ድሕርነት ስድራቤት

ሕጋዊ ሓገዝ፦ ናይ ከባቢ ወሃብቲ ሕጋዊ ኣገልግሎታትን ተጣበቕቲ ትካላትን

ምስ ዑቕባ ዝተኣሳሰሩ ጸጋታት

  • ንሓተትቲ ዑቕባ ዝኸውን ሓበሬታ ዝሓዙ ቪድዮታት፣ OIRAን ፕሮጀክት መሰላት ስደተኛታት ሰሜናዊ ምዕራብን (Northwest Immigrant Rights Project, NWIRP)፤ እዚ ተኸታታሊ ሓበሬታ ዝህብ ቪድዮታት ኣብ Seattle ወይ ከዓ Washington state ንዝነብሩ ሓተትቲ ዑቕባ ዝኸውን ኮይኑ ኣብ መስርሕ ኢሚግሬሽንን ዑቕባን ንምንቅስቓስ ዝሕግዝ እዩ። ቪድዮታት ብእንግሊዝኛ፣ ስጳኛ፣ ፈረንሳይኛን ፖርቹጋልኛን ይርከብ።
  • መምርሒ ፀጋታት ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን (ስጳኛ)፣ OIRA፤ እዚ ሰነድ እዚ ካብ City of Seattle ሓገዝ ንዝደልዩ ስደተኛታት ስድራቤታት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ይህብ። እቶም መምርሒ ፀጋታት ኣገደስቲ ቁፅርታት ተሌፎን፣ ዓርስኹም ካብ ምትላል ምክልኻል ዝምልከት ሓበሬታ፣ ነፃ ሕጋዊ ኣገልግሎታት፣ ዝርዝር ሓደስቲ ዓማዊል ዝቕበሉ ጠበቓታት ኢሚግሬሽን፣ ትምህርቲታት ቋንቋ እንግሊዝኛ፣ ዘለዉ መዕቆቢታት፣ ፀጋታት በዓል መዚ ገዛ ኣልቦነት King County (King County Homelessness Authority Resources)፣ ከምኡ’ውን ኣብ King County ዝርከቡ ዞባዊ መእተዊ ነጥብታት የጠቓልል።

ንወነንቲ ንግዲን መስራሕቲን ዝምልከቱ ፀጋታት

እዞም ዝስዕቡ ፀጋታት ኣብ Seattle Office of Immigrant and Refugee Affairs (OIRA) ዘሎገፅ መሰላትኩም ፍለጡ እዮም። ሙሉእ ዝርዝር ፀጋታቶም ንምርካብ ናብ ገፅ OIRA ተወከሱ።

ቅልጡፍ መልሲ ዝህቡ ቁፅሪ ተሌፎናት

  • መስመር ስልኪ ምክልኻል ምብራር (Deportation Defense Hotline)፤ ንጥፈታት ምትግባር ኢሚግሬሽን ንምሕባር፣ ወይ ምስ ህጹጽ ፀጋታት ንምትእስሳር ናብ 1-844-724-3737 ደውሉ ወይ መልእኽቲ ፀሓፉ። ናይ ስራሕ ሰዓታት ካብ ሰኑይ – ዓርቢ፣ ካብ 6 ናይ ንግሆ – 6 ድሕሪ ቀትሪ፤ ብኔትወርክ ሓድነት ስደተኛታታር Washington (Washington Immigrant Solidarity Network, WAISN) ዝካየድ። ትርጉም ብ300+ ቋንቋታት ይርከብ።