ብዛዕባ ቤተ መፃሕፍትኹን ከመይ ከም እትጥቀምሉ ክትፈልጥዎ ዘለኩም ነገር ንክትመሃሩ ኣብ'ዚ ጀምሩ። ካርዲ ቤተ መፃሕፍቲ (Library card) ጌርኩም ነቲ እነቕርቦ ዘበለ ኩሉ ሙሉእ ብሙሉእ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም፤ እዚ ከዓ፣ ኣብ ጨንፈራት ቤተ መፃሕፍቲ ዝርከብ ብልቓሕ ዝውሰድ ኮምፒዩተራት፣ ኣሽሓት መፃሕፍቲ፣ ዲጂታል ቨርሳታይል ዲስክታት (Digital Versatile Discs, DVDs)ን ኮምፓክት ዲስክታት (Compact Discs, CDs)ን፣ ከምኡውን ካብ መርበብ ሓበሬታ እተውርድዎ ዲጂታላዊ ሚድያ የጠቓልል። ሎሚ ንምጅማር ካርዲ ቤተ መፃሕፍቲ ርኸቡ።