ናይ ንጥፈታት ወረቐትኩም ብ ትግርኛ ኣውርድ።

ንኸተንብብ፡ ክትመሃርን ክትዓቢን ዝሕግዙኻ ምሉእ ሓጋይ ክትገብሮም ዘለካ መዘናግዒ ንጥፈታት ረኸብ። ንጥፈታት ምስ ወዳእካ፡ ኣብቲ ናይ ንጥፈታት ወረቐትካ ነቲ ርብዒ ምልክት ምልክት ግበር። ኣብ ነፍሲ ወከፍ 15 ቦታታት ትመልእዎ፡ ንእሽቶ ሽልማት ንምርካብ ወረቐትኩም ናብቲ ኣብ ከባቢኹም ዝርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣምጽኡ እሞ ስምኩም ኣብ መንደቕ ዝና ክድይብ እዩ!

ንባብ ንኹሉ ሰብ እዩ!

ንባብ ንኹሉ ሰብ እዩ!

ናይ ምንባብ ክእለትካ ዘማዕብሉ ንጥፈታት ዳህሰስ:

  • ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ጨንፈር ቤተ-መጻሕፍቲ ናይ ሓጋይ ትምህርቲ መጽሓፍ ሒዝካ ናብ 1 ሚልዮን ቃላት ዝግበር መንገዲ ምንባብ ጀምር! ትፈልጡ'ዶ? መዓልታዊ 20 ደቓይቕ እንተ ኣንቢብካ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 1.8 ሚልየን ቃላት ከተንብብ ኢኻ!  
  • ምንባብን ምጽሓፍን ሓቢሮም ይኸዱ! ኣብዚ ሓጋይ ግጥሚ፡ ዛንታ፡ ደብዳቤ ወይ ደርፊ ጽሓፍ! ድሕሪኡ ቅዳሕ ናይቲ ዝጸሓፍካዮ ናብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኣምጽኣዮ እሞ ኣብ መደርደሪ ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ እቲ ጨንፈር ንኽረአ ክቐርብ እዩ።
  • ኮሚክስ ንኹሉ ሰብ እዩ! ኣብዚ እዋን ሓጋይ፡ ኮሚክ መጽሓፍ፡ ግራፊክ ዛንታ ወይ ማንጋ ኣንብብ። ድሕሪኡ፡ ብገዛእ ርእስኻ ወይ ምስ ዓርክኻ ብምዃን ናይ ባዓልኻ ጽሓፍን ስኣልን!

ምምሃር ንኹሉ ሰብ እዩ!

ምምሃር ንኹሉ ሰብ እዩ!

በዞም መሳጢ ንጥፈታት ኣቢልኩም ተማሃሩ:

ብየት ንኹሉ እዩ!

ብየት ንኹሉ እዩ!

ዕብየት ዘተባብዕ ንጥፈት ፈትኑ:

  • Seattle ዘደንቑ መናፈሻታት ኣለዉዋ፣ ብዙሓት ካብኣቶም ብሕጊ ስንኩላን ኣሜሪካውያን (Americans with Disabilities Act, ADA) ተበጻሕነት ዘለዎም ኮይኖም፣ ልክዕ ከምቲ ቤተ መጻሕፍቲ ንክትበጽሖም ነጻ እዮም! 
    • ብዛዕባ ዑደት ሳልሞን ኣብ Ballard Locks ዝያዳ ፍለጡ
    • ኣብ Alkiን Golden Gardensን ጽቡቕ ናይ ገማግም ባሕሪ መዓልቲ ኣስተማቕሩ
    • ኣብ Seward Park፣ Camp Long ወይ Discovery Park ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ ኣግራብ ንጹህ ኣየር ተንፍሱ
    • ኣብ Lincoln Park ኦርካን ሲልን ድለዩ 
    • ኣብ ነፍሲ ወከፍ መናፈሻ እንታይ ዓይነት እንስሳታት፣ ኣትክልትን ካልኦት ናይ በረኻ ፍጥረታትን እዮም ዝነብሩ? ብዛዕባ እቲ ዝረኸብኩሞ ነገራት መዘኻኸሪ ጸሓፉ
  • ኣብ ሓደ ጀርዲን ወይ ከባቢ ዝዓብዩ ዓይነታት ተኽልታትን እንስሳታትን ምልላይ። ብዛዕባ ነፍሲ ወከፍ ዝረኸብካዮ ተኽሊ ወይ እንስሳ ሓድሽ ሓቂ ፍለጥ። ንዓኣቶም ንምልላይ ነቲ ነጻ iNaturalist መተግበሪ ወይ ድማ ነቲ Merlin Bird ID መተግበሪ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። 
  • ከባቢኻ ኣብ ቀረባ ዝርከብ P-Patch ወይ ማሕበረሰባዊ ጀርዲን ኣለዎ ድዩ? ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ናይ ከባቢኻ P-Patch ድለ።
  • መግቢ ንማሕበረሰብ ኣብ ሓደ የተኣኻኽቦ!  እትፈትውዎ ኣሰራርሓ መግቢ ጽሓፉ፣ ነቲ መግቢ ሰሪሕኩም ንእትፈትውዎም ሰባት ኣካፍሉ!
  • ናይ ሓጋይ መደባትና ኣብ ሓደ እዋን ከማኹም ዝኣመሰሉ ቆልዑ ዝነበሩ ጎበዛት ስነጥበባውያን ሒዙ ይቐርብ። ኣብዚ ሓጋይ እዚ፡ ብስነ-ጥበብ፡ ብደርፊ፡ ብሳዕስዒት፡ ብጽሑፍ፡ ብጀርዲን፡ ብስፌት፡ ወይ ብኻልእ ፈጠራዊ መገዲ እንታይ ክትሰርሕ ትኽእል? 
  • ስምዒታት ኣገደስቲ እዮም። ገለ ሰባት ስምዒቶም ንዓርኮም ወይ ኣባል ስድራቤቶም ከካፍሉ፡ ኣብ ደብተር ክጽሕፉ፡ ክስእሉ፡ ብሳዕስዒት ወይ ካልእ ክገልጽዎ ውሕስነት ይስምዖም። ንስምዒታትካ ብውሑስ መንገዲ ክትሰርሕ ዝሕግዙኻ ገለ ገለ መንገድታት እንታይ እዮም? 
  • ማሕበረሰብካ ብሕያውነት ኣማዕብሎ!
    • ንሓደ ኣባል ስድራቤት ከይተሓተትካ ጽቡቕ ነገር ግበረሉ
    • ምስ ዓቢ ሰብ ኣብ ከባቢ መናፈሻ ወይ ኣብ ጥቓ ገዛውትኹም ዘሎ ጐሓፍ ኣጽርዩ 
    • ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ትካል ምስ ዓቢ ሰብ ወለንተኛ ኮይንካ ንማሕበረሰብካ ጽቡቕ ግበር 
    • ኣብ ከባቢኻ ንዝተጸንበረ ሓድሽ ቆልዓ ሰላም በሎ 
    • ንሓደ ዓርክኻ ወይ ኣባል ስድራኻ ክንደየናይ ከም እተድንቖም ንገሮም