ኣብ ፈተና ዜግነት 2025 ዝተገብረ ለውጢ

ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን U.S. (U.S. Citizenship and Immigration Services, USCIS) ፈተና ዜግነት 2025 ኣውፂኡ ኣሎ።

እዚ ሓዲሽ ስርሒት ፈተና፣ ካብ 20 ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ መመልከቲ ወዲ ሃገር ምዃን (Application for Naturalization) ዝኾነ ቅጥዒ N-400 (Form N-400) ንዝመልኡ ኩሎም ክወሃብ እዩ።

ኣብ መንጎ ናይ 2025ን ናይ 2008ን ፈተና (ነቶም ቅድሚ 20 ጥቅምቲ ዘመልከቱ) ውሑዳት ፍሉጣት ለውጥታት ኣለዉ። እዚኦም ከዓ ነዚ ዝስዕብ የጠቓልሉ፦

  • ቁጽሪ ሕቶ ዜግነት ናብ 128 ወሲኹ።
  • መመልከትቲ ኣብ እዋን ቃለ መሕትት 20 ሕቶታት ክሕተቱ እዮም፤ ኣብ ናይ 2008 ግን 10 ሕቶታት ጥራሕ እዩ ነይሩ።
  • ንክትሓልፉ እንተወሓደ 12 (60%) ሕቶታት ትኽክል ክትምልሱ ክትክእሉ ኣለኩም።
  • እቶም ሕቶታት፣ ሕዚ'ውን እንተኾነ ሓደ ሓላፊ USCIS ብቓል ዝሕተቱ ኰይኖም፣ መማረፂታት ግን ኣይክህልዎን እዩ።

ናይ 2025 ፈተና ክትወስዱ ንክትዳለው ዝሕግዝኹም እተፅንዕዎም ፅሑፋት ኣብ መርበብ ሓበሬታ ይርከቡ፦

  • መርበብ ሓበሬታ USCIS ካብ'ቲ ሓድሽ ፈተና ሕቶታትን መልሲታትን ብእንግሊዝኛ ኣለዎ።
  • USAHello ናብ 17 ቋንቋታት ዝተተርጐሙ ካብቲ ሓድሽ ፈተና ዝተውፃእፀኡ ሕቶታትን መልስታትን ኣለዎ።

ምስ እትሓቱ ሰራሕተኛታት ቤተ መፃሕፍቲ ነቶም ፅሑፋት ክሕትምልኩም ይኽእሉ እዮም።

ፀጋታትት ዜግነት

ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግሬሽንን U.S.

  • ንሕቶ ዜግነትኩም ዝሕግዙ 10 ስጉምትታት - ቅጥዒ N-400ን መምረሒታትን ዘጠቓልል።
  • ኣብ ኣሜሪካ ምቕማጥ - እዚ መምርሒ እዚ፣ ሓደስቲ ስደተኛታት መዓልታዊ ህይወቶም ኣብ United States ንምሕላፍ ዝሕግዝ ግብራዊ ሓበሬታ ዝሓዘ ኮይኑ፣ እትነብረሉ ቦታ ብኸመይ ከም እትረክብ፣ ቁፅሪ ማሕበራዊ ድሕንነት (Social Security number) ብኸመይ ከም ትረክብ ከምኡ'ውን ስርዓተ መንግስቲ U.S. ከመይ ከም ዝሰርሕን ዘጠቓልል እዩ (U.S. system of government)። ዝርከቡ ቋንቋታት፦ እንግሊዝኛ፣ ዓረብኛ፣ ቻይንኛ (ባህላዊን ዝተቐለለን)፣ ፈረንሳይኛ፣ ሃይቲ ክሪዮል፣ ኮርያዊ፣ ፖርቱጋልኛ፣ ሩስያ፣ ሶማልኛ፣ ስጳኛ፣ ታጋሎግ፣ ኡርዱ፣ ቬትናምኛ።

ምድላዋት ፈተና ወዲ ሃገር ምዃን

128 ሕቶታትን መልሲታትን ዜግነት (ናይ 2025 ስርሒት)

100 ሕቶታትን መልሲታትን ዜግነት (ናይ 2008 ስርሒት) በዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት ይርከቡ፦

ከባቢያዊ ፀጋታትት ዜግነት

  • Citizenshipworks - እዚ ብመርበብ ሓበሬታ ዝወሃብ ነፃ ኣገልግሎት፣ ዜግነት ንምክርካብ ክተመልክቱ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ።
  • ፕሮጀክት መሰል ስደተኛታት ሰሜናዊ ምዕራብ (Northwest Immigrant Rights Project) - ብቐጥታ ብሕጋዊ ኣገልግሎት፣ ስርዓታዊ ምጉስጓስን ማሕበረሰባዊ ትምህርትን ኣቢልካ መሰላት ስደተኛታት ብምሕላውን ብምምዕባልን፣ ስደተኛታት፣ ሓተትቲ ዑቕባን ኣብ መዓዝከር ዝነብሩን ምድጋፍ።
  • መደብ ሓድሽ ዜግነት ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቕባን (Office of Immigrant and Refugee Affairs, OIRA) Seattle - መደብ ሓድሽ ዜግነት (New Citizen Program, NCP) The Office of Immigrant and Refugee Affairs (OIRA)፣ ኣብ መላእ King County ምስ ዝርከቡ ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበሩ ትካላት ብምሽራኽ፣ ዜግነት ምርካብ ንምድንፋዕን ብቑዓት ኣባላት ማሕበረሰብ ዜጋታት U.S. ንኽኾኑ ይሕግዝን። ቅጥዒ መመልከቲ ዜግነትኩም (N-400) ኣብ ምድላውን ምምላእን፣ ቃለ መሕትት ዜግነት ኣብ ምልምማድ፣ ምሉእ ሕጋዊ ውክልናን ምሕደራ ጉዳይን ካልእን ሓገዝ ብነፃ ረኸቡ።
  • ሓገዝ ሕጊ Washington (Washington Law Help) - ብዛዕባ ናይ U.S. ዜግነትን ወዲ ሃገር ምዃንን፣ ቅጥዒታት ወዲ ሃገር ምዃን፣ መምረሒታትን ሓገዝን ዝምልከት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ሕጊ። ብ 27 ቋንቋታት ዝተፈላለዩ ፀጋታት ይርከቡ እዮም።
  • Washington ሓደስቲ Americans (Washington New Americans) - እዚ ብደረጃ ግዝኣት ዝካየድ መደብ፣ ብቑዓት ስደተኛታት ብነፃ ወይ ከዓ ትሑት ወፃኢታት ብዘኽፍሉ ኣገልግሎታት ኣቢሉ ከም ሕጋዊ ዓውደ መፅናዕቲ፣ ደገፍ መመልከቲ፣ ብብዙሕ ቋንቋታት ዝዛረቡ መስመራት ቴሌፎንን ማሕበረሰባዊ ሽርክነትን ኣቢሎም ናብ ዜግነት U.S. ዝወስድ መንገዲ ንክኽተሉ ይሕግዞም። ብፍሉይ ከዓ ወዲ ሃገር ኣብ ምዃን ዘተኰረ ኰይኑ፣ መምረሒ ደረጃ ብደረጃ፣ ሓገዝ ብቑዕነትን ምስ እሙናት ወሃብቲ ኣገልግሎት ምትእስሳርን ዝበሉ ኣገልግሎታት ይህብ።